ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ንምብራኽ ብዝተኻየደ ጐስጓሳትን ትካላት ጥዕና መሰረታዊ መሳርሒታትን መድሃኒታትን ብምዕጣቐንን፡ ኣብ ምቊጽጻር ተርእዮ ሕማም ‘ቲቢ’ ዓቢ ገስጋስ ከምእተመዝገበ ተገሊጹ፣

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምቊጽጻር ሕማም ‘ቲቢ’ ነርስ ክብሮም ዕቚቡ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ሓጋዝ፡ ግላስ፡ ከረን፡ ዒላ-በርዕድ፡ ፍለዳርብ፡ ሓመልማሎ፡ ሃበሮ፡ ሓልሓል፡ ኣስማጥን ዓዲ-ተከሌዛንን መነጸሪ ‘ቲቢ’ ናውቲ፡ እኹል መድሃኒትን ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን ምውዳዱ፡ ኣብ ምግታእ ናይቲ ሕማምን ብኣኡ ዝስዕብ ሞትን ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ርእሲ’ቲ ክካይድ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብ ዓድታትን ቊሸታትን እናተንቀሳቐስካ እውን ተፍቲሽ ከምዝካየድ ዝሓበረ ነርስ ክብሮም፡ እዚ ብንኡሳን ዞባታት ሓጋዝን ኣስማጥን ዝፈለመ ዕማም፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ንምስፍሑ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ፣

ምልምማድ ታህዋስያን ንመድሃኒትን ሸለልትነት ኣብ ኣወሳስዳ መድሃኒትን ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ሓድሽ መልከፍቲ ብ90 ሚእታዊት ንምንካይን ፈዋስነት ናብ ልዕሊኡ ንምድያብን ከም መደብ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፣

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ህጻናት ዘተኰረ መደባት ክታበት ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊጹ፣

ሓላፊ ማእከል ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ምሉእ በይን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ካብ 9 ክሳብ 17 መጋቢት ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ኣብ ከባቢታት ሻካ-ወግረት፡ ሔናብ፡ ሸጋሊ፡ ኤራ፡ እምበልዳይን ሃውሽን ኣስታት 6 ሽሕ ህጻናት ከምእተኸትቡ ገሊጹ፣

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ ብዝተገብረ ምንቅስቓስ፡ ሸፈነ ክታበት 96 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ድማ ዕቱብ ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሁ፣

Categories