ኣብ ሕክምና ፊዝዮቴራፒን ኣገዳስነቱን ዝጸንሐ ኣፍልጦ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ቊጽሪ ተጠቀምቲ ክብ ከምዝበለ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ማእከል ፊዝዮተራፒ ኣስመራ ኣቶ ብርሃነ ሓያሉ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ማእከል፡ መልመስቲ፡ ምጭብባጥ ጭዋዳታትን መስበርትን ዘጋጠሞም ሕሙማት ከምዝመጹ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃነ፡ ብዝተገብረሎም ናይ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ኤሌክትሮቴራፒን ኣኩምፓክቸር ድማ፡ 80 ሚእታዊት ካብኣቶም ጽቡቕ ምምሕያሽ ከምዘርእዩ ገሊጹ።

ተገልገልቲ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ብዝረኽብዎ ዘለዉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጥዕናኦም ርኡይ ምምሕያሽ ከምዘምጽኡ ብምሕባር፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ካልኦት ዞባታታት ኪሰፍሕ ተላብዮም።

ኣብ ማእከል ፊዝዮቴራፒ ዝዋሃበካ ሞያዊ ምኽሪ ምትግባርን ኣብ ኣመጋግባኻ ጥንቁቕ ምዃንን፡ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕናኻ ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ነብሶም ብዝረኣይዎ ውጽኢት ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ብምሕባር ድማ፡ ስፖርት ምዝውታር ዝሓሸ ሜላ መንብሮ ምዃኑ ገሊጾም።

Categories