ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሎጎ- ዓንሰባ፡ ኣብ ምሕያል መስርሕ መምሃርን ምስትምሃርን ተዘትዩ፣

ኣብ መቐርካ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ጸሃየ ብርሃነ፡ ብወገን ተመሃሮን መማህራንን ዝረኣዩ ጸገማትን ድኽመታትን ምፍታሕን ምእላይን እቲ ብቐዳምነት ክግበር ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ፣

ዝተበላሸወ ሰደቓታት ክጽገን፡ ቀጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክስራሓለን፡ ድኻም ንዘርኣዩ ተመሃሮ ተወሳኺ ትምህርቲ ክወሃብ፡ ኮማዊ ተሳትፎ ክብ ክብል እውን ኣዘኻኺሩ፣

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ መልኣከ ገብረሂወት፡ ገለ ካብቲ ዝተጠቕሰ ጸገማትን ሕጽረታትን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ንምፍትሑ ከምዝጸዓር ገሊጹ፣

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ዝመሓላለፉ ድማ ብፍላይ ክብ ንምባል ዝዓለመ ኣስተምህሮኣዊ ርክብ፡ ብ23 መጋቢት ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኻዪዱ፣

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ጋሽ- ባርካ ሓላፊ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ታሚት እስቲፋኖስ፡ መንእሰያት ንነብሶም ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ናጻ ኮይኖም ንኻልኦት መንእሰያት ኣብ ምስትምሃር ኣበርክቶ ክህልዎም ምእንቲ፡ ኣፍልጦኦም ኣብ ጠንቅን ሳዕቤናትን ናይ’ቶም ሕማማት ከበርኹ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፣

Categories