ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ውዳበአን ብምሕያል፡ ንዓወት ሃገራዊ መደባት ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን።

ውዳበታት ንኡሳን ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ ከተማታት ጀነቫ፡ ስዮን፡ ሳንጋለን፡ በርን፡ ፍሪቡርግ፡ ባዝል፡ ሉዛን፡ ኩር፡ ሞንተ፡ ስሉተርን፡ ሉሰርን ኖሻተልን ቨቨን – ስዊዘርላንድ፡ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፡ ንታሪኽ ኤርትራዊት ጓል- ኣንስተይቲ ዘንጸባርቕ መደባት ከምኡ’ውን ምስ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ዘላሊ መሰናድኦታት ኣአንጊደን።

ግዝያዊ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ኣድም ዑስማን፡ ካብ ቅያን ተራን ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ድሕሪ ምጥቃስ፡ እዚ ቅያ’ዚ ናብ ሓደስቲ ወለዶ ብዝግባእ ተሰጋጊሩ ብልምዓት ንኽድራዕ፡ ናይ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ጻዕሪ ከምዝሓትት ኣስሚሩሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን፡ መንፈቓዊ ኣኼባአን፡ ብ24ን 25ን መጋቢት – ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣካዪደን።

ኣብ’ቲ ካብ 24 ንኡሳን ጨናፍር ዝተወከላ ኣባላት ዝተሳተፍኦ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ዝተተግበረ መደባት ብመንጽር ዝነበረ ውጥን ተገምጊሙ።

Categories