ገዲም ተጋዳላይ ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል ኣግያስ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 መጋቢት ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ስያትል – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ዶክተር ንርኣዮ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ብሞያ ሕክምና፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ትካል ረድኤትን ተሃድሶን ኤርትራ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ሓሙስ 29 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ዶክተር ንርኣዮ ተኽለሚካኤል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories