Author - Staff

ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና ተዘኪራ ውዒላ

ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና፡ ‘‘ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና – ንነፍሲ-ወከፍ ኣብ ኩሉ’’ ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 20 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ። ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዝተዳለወ መደብ፡ ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር...

ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ

ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኻየደ 5ይ ዋዕላ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ፡ ቅዋም ናይ’ቲ ውዳበ ብምምሕያሽ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ከም ዝመረጸ ተፈሊጡ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡...

ሽዕብ – ልምዓት ኣሕምልቲ ኣተባባዒ ውጽኢት ተረኺብዎ

ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣዘውቲሮም ዝዘርእዎ መሸላን ብልቱግን ዕፉንን፡ ኣሕምልቲ ንኸልምዑ ብውሑዳት ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተገብረ ፈተነ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓሰን ጅምዕ ሓቢሩ።...

መበል 24 ዓመት ህልቂት ርዋንዳ ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ

መበል 24 ዓመት ህልቂት ርዋንዳ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ነቲ ህልቂት ብዘንጸባርቕ ምርኢት ቪድዮን ምብራህ ሽምዓን ተዘኪሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቅድሚ 24 ዓመታት ኣብ ርዋንዳ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝግበር ዝኽሪ፡...

ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል ተሰዊኡ

ኣባል ጨንፈር ንግድን ኢንዱስትሪን ዞባ ማእከል፡ ገዲም ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል፡ ብ18 ሚያዝያ ብሕማም ኣብ መበል 63 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል፡...

ሃይኮታ – ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ጥዕና ደቂ- ኣንስትዮ ብምሕላው ዓቕሚታተን ንምምዕባል ዝዓለመ – ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ኣስተምህሮኣዊ ርክባት ተኻዪዱ። ሓላፊ ማእከል ጥዕና ሃይኮታ ነርስ ገብሩ ዘርአ፡ ምውሓስ ጥዕና ደቂ- ኣንስትዮ ብሓፈሻ ናይ ኣዴታት ድማ...

ንግዳያት ፊስቱላ ናይ ምትብባዕ መደብ ተወዲቡ

ግዳያት ፊስቱላ ዝነበራን ብዝተገብረለን ጥዕናዊ ክንክንን ናብዮትን ዝሓወያን ዜጋታት፡ ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ንዝእለያ ዘለዋ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ17 ሚያዝያ ናይ ምትብባዕ መደብ ኣካዪደን። ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን...

ማእከል ምንቅስቓስ ኣካላት ስንኩላን ኲናት ተሓዲሱ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን – ብዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ዝርከቡ ሓርበኛታት ስንኩላን ዝጥቀምሉ ማእከል ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ብልዕሊ 700 ሽሕ ናቕፋ ተሓዲሱ። ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን...

ኣብ እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ

ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን፡ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብዝተኻየደ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ዝግመት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ። እቲ ንብረት፡ ዝብላዕ፡ ዝስተ፡ ዝልከን ንመሕጸቢ ሰብነት ዘገልግልን ከም ዘጠቓልል፡ እተን...

ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ስጉምትታት ይውሰድ ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ 250 ሄክታር ኣብ ዝለምዐ ዕፉን ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሰ፡ ነቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ባልዕ ንምግታእን ኣብ...

Login

Categories