ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይልን ዓዲ-ቐይሕን፡ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብዝተኻየደ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ዝግመት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ተቓጺሉ።

እቲ ንብረት፡ ዝብላዕ፡ ዝስተ፡ ዝልከን ንመሕጸቢ ሰብነት ዘገልግልን ከም ዘጠቓልል፡ እተን ሒዘናኦ ዝጸንሓ ትካላት ድማ ከምእተቐጽዓ ተፈሊጡ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ እምኒ- ሓይሊ ነርስ በርሀ ኪዳነ፡ ገለ ድኳናት ካብ’ቲ ዝተፈቕደለን ንጥፈት ወጻኢ – ጐድኒ-ጐድኒ ሃለኽቲ ከም መድሃኒት እንስሳታት ዝኣመሰሉ ነገራት ክሸጣን ክኽዝናን ምጽንሐን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነጋዶ ካብ ንመኽሰብ ንጥዕና ከቐድሙ ተላብዩ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ሓላፊት ሕግን ስርዓትን ወ/ሮ ገብረኤላ ይትባረኽ፡ በብግዜኡ ብዝግበር ዘሎ ምቊጽጻርን ጐስጓሳትን፡ ተርእዮ መሸጣ ዕለቱ ዝሓለፈ ሃለኽቲ ከምዝጐደለ ብምጥቃስ፡ ንዝለዓለ ውጽኢት ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክተሓባበር ተላብያ።

Categories