ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣዘውቲሮም ዝዘርእዎ መሸላን ብልቱግን ዕፉንን፡ ኣሕምልቲ ንኸልምዑ ብውሑዳት ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተገብረ ፈተነ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓሰን ጅምዕ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓመት ምስ ዝነበረ ድኹም ክራማት ባሕሪ፡ እቶም ልምዳዊ ኣዝርእቲ ዝዘረኡ ከም’ቲ ዝደለ እቶት’ኳ እንተዘይረኸቡ፡ እቶም ኣብ 30 ሄክታር ኣሕምልቲ ዘልምዑ ግና ዝሓሸ ኣታዊ ከምዝረኸቡ ዝሓበረ ኣቶ ሓሰን፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ብምህርቱን ቊጠባዊ ረብሓኡን ጸላዊ ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሓረስቶት ሽዕብ ብሓፈሻ፡ ምህርቶም ንምስሳን ኣብ ምስራሕ ዓግማትን መእለዪ ወሓይዝን ብዝለዓለ ይነጥፉ ምህላዎም፡ ዘመናዊ ኣገባባት ልምዓት ብምስፋሕ ኣብ ሕርሻ ተምሪ ዝገብርዎ ዘለዉ ወፍሪ’ውን ትስፉው ምዃኑ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓመት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር ክሕረስ ትጽቢት ከምዘሎ፡ ኣልማዕቲ ጀራዲን ድማ ዝሓሸ ዕድላት ክረኽቡ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories