ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኻየደ 5ይ ዋዕላ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ፡ ቅዋም ናይ’ቲ ውዳበ ብምምሕያሽ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ከም ዝመረጸ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንተሳተፍቲ – ህልው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን፡ መድረኻዊ ተልእኾን ሓላፍነትን ዜጋታት ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዘብርህ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣቶ የማነ፡ ኤርትራ ብሓያል ጽንዓት ህዝብን መንግስትን፡ ንሕብረ-ብዙሓዊ ተጻብኦታትን ጸቕጥን መኪታ ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያኣ ብምርግጋጽ፡ ንረብሓታት ሓፋሽ ዘውሕስ ቊጠባዊ ስርዓት ዝሃንጽን ድልዱል ሰረት ዘንጽፍን ልምዓታዊ መደባት ተሰላስል ከምዘላ ጠቒሱ፡ ነዚ ብምልኣት ንምዕዋት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ንዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ውጽኢቱን ብዝምልከት፡ “ኣብ ምክብባር ዝተሰረተ ሽርክነታዊ ዝምድና ምምስራት” ኣብ ዝብል መትከላዊ ፖሊሲ ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ድማ ጽቡቕ ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ምስ ሃገሩ ዘለዎ ጥምረትን ምትእስሳርን ዘሐብን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሞያውን ቊጠባውን ጸጋታቶም ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ዘውዕሉ ዜጋታት እናሰሰኑ ይመጹ ስለዘለዉ፡ ነዚ ዝበቅዕ ውዳበ ንምስፋሕ ብኣተኲሮ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝነጥፉ ኤርትራውያን ወነንቲ ቦጥ፡ ብ12 ሚያዝያ ንጥፈታቶም ዝግምግም ኣኼባ ኣቃኒዖም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምሕላው ረብሓ ዜጋታት ምውሓስ ረብሓ ሃገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕነቶምን ረብሓታቶምን ንምሕላው መንግስቲ ኤርትራ ቀጻሊ ዝሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

Categories