ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ 250 ሄክታር ኣብ ዝለምዐ ዕፉን ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሰ፡ ነቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ባልዕ ንምግታእን ኣብ ዝረኣየሉ ብኣጋ ንምቊጽጻርን፡ ሓረስቶትን ክኢላታትን ስሩዕ ኰለላታትን ምክትታልን ክገብሩ ምጽንሖም ብምሕባር፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ዘርኢ ዕፉን ክርአ ብምጅማሩ – እቲ ተኽሊ ተማሕዩ ከምዝነድድ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኲዶፈላሲ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ መንእሰይ ምሕረትኣብ ነጋሽ፡ ንቕሓት ሓረስቶት በሪኹ ብምጽንሑ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፡ ዑደት ህይወት ባርኖስ ብምግታእ ካብ ዝበኣሰ ለበዳ ንምድሓን ምዃኑ ዝሓበረ መንእሰይ ምሕረትኣብ፡ ሓረስቶት ብዝለዓለ ክዋስኡ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ ብዛዕባ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ብመራኸቢ ብዝሓን ክወሃብ ንዝጸንሐ ሓበሬታ ክከታተልዎ ስለዝጸንሑ፡ ኣብ ግራውቶም ኣብ ዝተራእየሉ ብቕልጡፍ ኣብ ጥቕኦም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ከምዝሓበሩ ብምጥቃስ፡ ነዚ ሓደገኛ ባልዕ ንምቊጽጻር፡ ካብኦም ዝድለ ክገብሩ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ንቕሓት ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ኣብ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምብራኽ፡ ከምኡ’ውን ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ምክትታልን ምቊጽጻርን ንምሕባር ዝዓለመ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ይወሃብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ማይ-ምነን ሰገነይቲን፡ ተርእዮ ባልዓት ዘራእቲ ብሓፈሻ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ድማ ብፍላይ ንምቊጽጻር ዝዓለመ ኣስተምህሮታት ከምእተዋህበን ኰለላታት ከምእተኻየደን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ምልክታት ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእየሉ ኣእካል ብወፈራ ተኣኪቡ ከም እተቓጸለ ይፍለጥ።

Categories