ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ጥዕና ደቂ- ኣንስትዮ ብምሕላው ዓቕሚታተን ንምምዕባል ዝዓለመ – ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ኣስተምህሮኣዊ ርክባት ተኻዪዱ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ሃይኮታ ነርስ ገብሩ ዘርአ፡ ምውሓስ ጥዕና ደቂ- ኣንስትዮ ብሓፈሻ ናይ ኣዴታት ድማ ብፍላይ፡ ብቐንዱ ምውሓስ ጥዕና ስድራ-ቤት ስለዝኾነ፡ ሕብረተሰብ ዓቢ ቈላሕታ ክህቦ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ንኣዴታትን ቈልዑን ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረሎም ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ሸኸዲን ሳልሕ ብወገኑ፡ ብሞያውያን ዝወሃብ ኣስተምህሮታት፡ ንቕሓት ዜጋታት ክብ ብምባል ምስ ወቕቲ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሕማማት ኣብ ምግታእ ዘለዎ ተራ ልዑል ብምዃኑ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ትግባረኦም ብንጥፈት ክዋሳእ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ተሳተፍቲ፡ እናጐደለ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ውጽኢት ናይቶም ዝካየዱ ጐስጓሳትን ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክድፋኣሎም ኣተሓሳሲቦም።

Categories