ግዳያት ፊስቱላ ዝነበራን ብዝተገብረለን ጥዕናዊ ክንክንን ናብዮትን ዝሓወያን ዜጋታት፡ ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ንዝእለያ ዘለዋ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ17 ሚያዝያ ናይ ምትብባዕ መደብ ኣካዪደን።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብን ወኪል ማዕከን ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚስተር ኢብራሂም ሳምቡሊን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን – ፊስቱላ ኪኖ ጥዕና ዝኸይድ ማሕበራዊ ጸገም እውን ከምዘለዎ ጠቒሳ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንግስቲ ዝህቦ ዘሎ ብቑዕ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ህዝቢ እውን ናይ ምትብባዕን ምድግጋፍን መደብ እናወደበ ምስ ዝበጽሐን፡ ነተን ግዳያት ልዑል ሞራል ዝፈጥር ምዃኑ ኣገንዚባ።

ግዝያዊ መዲካል ዳይረክተር ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ፡ ዶክተር ስምኦን ወልዱ፡ ፊስቱላ ንምሕዋይ – ግዳያት ፈለማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝግበረለን፡ ድሕሪኡ ድማ ብሰንኪ’ቲ ጥዕናዊ ጸገም ንዝወረደን ማሕበራዊ ተነጽሎን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያን ንምፍዋስ ዝካየድ ናይ ተሃድሶ መደብ ከምዝስዕብ ኣረዲኡ።

ግዳያት ፊስቱላ ንምትብባዕ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ከምዝውሰዱ ዝጠቐሰ ዶክተር ስምኦን፡ እዚ ናይ ሕጂ ተመሳሳሊ ጥዕናዊ ጸገም ብዝነበረን ዝተገብረ ብምዃኑ፡ ኪኖ ምትብባዕ ዝኸይድ መልእኽቲ ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories