ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን – ብዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ዝርከቡ ሓርበኛታት ስንኩላን ዝጥቀምሉ ማእከል ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ብልዕሊ 700 ሽሕ ናቕፋ ተሓዲሱ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብን ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ዝተረኽባሉ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃማሓስኲኤ) ኣቶ ፍስሃየ ተስፋሚካኤል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ሓገዝ – ኣካል ናይ’ቲ ‘ሃማሓስኲኤ ’ ምስ ናይ ወጻኢ ጨናፍሩ ተወሃሂዱ ዘሰላስሎም ዘሎ ንስንኩላን ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ስንኩላን ተጠቀምቲ ናይቲ ብምንቅስቓስ ኣካላት ዝርከብ ጥዕናውን ማሕበራውን ረብሓታት ንምግባሮም ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ጨንፈር ሽቱትጋርት ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ሞጒሱ።

ኣቦ-መንበር ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኣብ ሽቱትጋርት፡ ኣቶ ሑሴን ኸሊፋ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብገንዘብን ናውትን ዝግበር ምድግጋፍ ዘጠቓልል ፕሮጀክት ኣብ ናይ ፈለማ መድረኹ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ ካልእ መደባት ንምትግባር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ጨናፍር ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ዴንማርክ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ከምኡ’ውን ኦክላንድ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ንዝርከብ ስንኩላን ዝግልገሉሉ ክሊኒክ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ዓራውትን ሕክምናዊ ናውትን ብምቕራብ የሐድስዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

Categories