ኣባል ጨንፈር ንግድን ኢንዱስትሪን ዞባ ማእከል፡ ገዲም ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል፡ ብ18 ሚያዝያ ብሕማም ኣብ መበል 63 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል፡ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትሪ ፋብሪካ ጫማ ዳህላክን ኣብ ጨንፈር ንግድን ኢንዱስትሪን ዞባ ማእከልን ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽድሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 18 ሚያዝያ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ግርማይ ዑቕባገብርኤል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories