መበል 24 ዓመት ህልቂት ርዋንዳ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ነቲ ህልቂት ብዘንጸባርቕ ምርኢት ቪድዮን ምብራህ ሽምዓን ተዘኪሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቅድሚ 24 ዓመታት ኣብ ርዋንዳ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝግበር ዝኽሪ፡ “ዘይፍትሓውነት ኣብ ሓደ ቦታ – ስግኣት ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም” ከም ዘዘኻኽርን፡ ንምእላዩ ብውህደት ንምስራሕ ዝጽውዕ ምዃኑን ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ዑስማን ወሲኹ፡ ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ዕለት፡ ኤርትራን ርዋንዳን፡ ብባህሪኡን ጽንካረኡን ዝፈላለ ይኹን’ምበር፡ ምምስሳል ብዘለዎ ተመኲሮን ብድሆታትን ቃልሲ ኣንጻር መግዛእታዊ ዘይፍትሓውነትን ግፍዕታትን ዝሓለፋ ምዃነን ምጥቃስ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክልተአን ኣሓት ሃገራት፡ ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገልግል ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ብምድንፋዕ፡ ኣብ ዳግመ-ህንጻ ተጸሚደን ምህላወን ኣብሪሁ።

ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ዘቕረበት ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስ ጆሶፊን ናምቦዘ ብወገና፡ እዛ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝሃለቑላ ዕለት፡ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ንዜጋታተን ካብ ህልቂት፡ ገበናት ኲናት፡ ዓሌታዊ ምጽጻይ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ካልእን ክከላኸላሎም እተዘኻኽር ምዃና ኣገንዚባ።

“ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኣህዛብ ንምድሓን፡ ኪንዮ መደረታት ምኻድ የድሊ” ዝበለት ሚስ ጆሶፊን፡ ኩለን ሃገራት ነቲ ብድሆታት ንምግጣም ግብራዊ ስጒምቲ ክወስዳ ጸዊዓ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንግዳያት ናይ’ቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ህልቂት ንምዝካር፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ሽምዓ ወሊዖም።

Categories