ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና፡ ‘‘ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና – ንነፍሲ-ወከፍ ኣብ ኩሉ’’ ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 20 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ።

ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዝተዳለወ መደብ፡ ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ንሚኒስትሪ ጥዕና ወኪሉ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና ንምርግጋጽ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝወጸ ኣዕኑድ ስርዓተ ጥዕና ንምስማር፡ ኤርትራ – ምስ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒን ዘላቒ ሸቶታት ምዕባለን ብዝተኣሳሰር ኣተኲራ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጹ።

ዶክተር ዓንደብርሃን ወሲኹ፡ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝወጸ ኣዕኑድ ስርዓተ ጥዕና፡ መሪሕነትን ምሕደራን፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ መድሃኒታትን ቴክኖሎጅን፡ ምወላ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ስርዓተ ሓበሬታ፡ ትሕተ ቅርጽን ኣቕርቦት ኣገልግሎት ጥዕናን ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ዛጊት ብዝተኻየደ ጻዕሪን ወፍሪን፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 5 ኪሎ-ሜተር ዘይርሕቕ ዓይነታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ይረክብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቃል ዞባዊት ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ማትሺዲሶ ሞዌቲ ዘቕረበት ወኪል’ቲ ውድብ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስ ጆሶፊን ናምቦዜ ድማ፡ ምርግጋጽ ኣድማሳዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክበሃል እንከሎ፡ ደቂ-ሰብ ኣበይን ብኸመይን ይነብሩን መን ምዃኖምን ብዘየገድስ፡ መሰረታዊ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ብዘይጸገም ከምዝረኽቡ ምግባር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምርግጋጽ “ጥዕና ንኹሉ” ዝብል መሰረታዊ መትከል ኣቕርቦት ጥዕና ወሳኒ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

“ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ጥዕናዊ ኣገልግሎት ተሓሪምዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኤርትራ ብኣቕርቦት ምዕሩይ ኣገልግሎት ጥዕና ንዜጋታታ፡ ካብ’ተን ብኣብነት ዝጥቀሳ ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ” ብምባል ውልቃዊ ትዕዝብታ ዘካፈለት ሚስ ጆሰፊን፡ ብፍላይ ኣብ ምግታእ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ዝጭበጥ ዘሎ ዓወት ብምምጓስ፡ ብደረጃ ዓለም – ክሳብ 2030 ክጭበጥ ተወጢኑ ዘሎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ከምእትዕወት ጽኑዕ እምነታ ገሊጻ።

ወኪል ዓለማዊ ማዕከን ህጻናት ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ፕየር ንጎም ብወገኑ፡ ኤርትራ ኣብ ሸፈነ ክታበት ህጻናት 95 ሚእታዊት ምብጻሓ፡ ካብ ፖልዮ ናጻ ምዃናን ቀጻልነት ናይዚ ዓወት ምውሓሳን፡ ከምኡ’ውን ህጻን ክሳብ 6 ኣዋርሕ ጸባ ኣደኡ ጥራይ ክምገብ ብዕቱብ ካብ ዝሰርሓን ዝተዓወታን 20 ሃገራት ምዃና ብምጥቃስ፡ ውድቡ ምስ ኤርትራ ክሰርሕ ሓበን ከምዝስመዖ ገሊጹ።

Categories