Author - Staff

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ በዓል ናጽነቶም ይጽምብሉ

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓዲ-ጥልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን24 ግንቦት – ዕለተ ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብሓበን ጸምቢሎምዋ። ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ –...

መራሕቲ ቐጠርን ዖማንን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም

ኣሚር ሃገረ ቐጠር ተሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒን፡ ሱልጣን ዖማን ቓቡስ ቢን ስዒድን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም። እቶም መራሕቲ ብስሞምን ብስም ህዝቢታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡...

ደቡብ – ኣብ ምውሓስ ድሕነት ቈልዑ ዘተኰረ ርክብ ተኻዪዱ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምውሓስ ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ዘተኰረ፡ ፖሊስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኮሚተታት መሰላት ቈልዑ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን ድባርዋን ዝተሳተፍዎ ርክብ – ኣብ ተራ- እምኒ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ክልቲአን ንኡሳን ዞባታት ናይ...

ጸገም ማይ ከተማ ናቕፋ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይካየድ

ኣብ ከተማ ናቕፋ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ንኡስ ዞባን መሻርኽቱን፡ ከምኡ’ውን ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ኣድማዒ ንጥፈታት ይሰላሰል ኣሎ። እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ምንጪ ማይ፡ ምህናጽ 150 ፊስቶ ዝሕዝ መኸዘኒ፡ ምዝርጋሕ ሰለስተ ኪሎ-ሜተር...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ በዓል ናጽነቶም ይጽምብሉ ኣለዉ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ካሊፎርንያ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቱቢንገን – ጀርመንን፡ ንመበል 27 በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ንርዝነትን ክብሪን ናይ’ታ ዕለት ብዘንጸባረቕ መደባት ብድምቀት...

መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ሊብያን፡ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም

መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ሊብያን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ...

ብሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ 28 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ኣውቶቡስ፡ 33 ሰባት ሞይቶም። በዚ ካብ ኣስመራ ኣብ ኣስታት 52 ኪሎ ሜተር – ከባቢ ሽንድዋ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም መራሒ...

ተቐማጦ ከተማ ናቕፋ ጽርግያ ይጽግኑ ኣለዉ

ተቐማጦ ከተማ ናቕፋ፡ ፕሮጀክት ማይ ናብ ዝሰላሰለሉ ዘሎ ሩባ ወግሬት ዝኣቱ 15 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ንማሽነሪታት ዘሕልፍ ንምግባሩ ይጽግንዎን የስፍሕዎን ከምዘለዉ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ዘካይድዎ ዘለዉ ወፈራ፡ ነቲ ፕሮጀክት ብምቅልጣፍ ዘለዎም ጸገም...

ክኢላታት ሕርሻ፡ ንምክልኻል ሳጋሚ ባርኖስ ዝሕግዝ ትምህርቲ ተዋሂቡዎም

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ካብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ንዝተዋጽኡ ኣስታት 40 ክኢላታት ሕርሻ፡ ኣብ ምክልኻል ሳጋሚ ባርኖስ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ “ምሕደራ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ብመንገዲ ውሁድ ምክልኻል ባልዓት” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 16 ክሳብ 20 ግንቦት...

መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም

መራሕቲ ኣይቮሪኮስት፡ ኔዘርላንድስ፡ ግሪኽን ስሪላንካን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኣይቮሪኮስት – ኣላሳን ዋታራ፡ ንጉስ ኔዘርላንድስ – ሚልየም...

Login

Categories