ኣሚር ሃገረ ቐጠር ተሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒን፡ ሱልጣን ዖማን ቓቡስ ቢን ስዒድን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ብስሞምን ብስም ህዝቢታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዕብየትን ብልጽግናን ተመንዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ምክትል ኣሚር ሃገረ ቐጠር ዓብደላ ቢን ሓመድ ኣልሳኒ፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዓብደላ ቢን ናስር ቢን ኸሊፋ ኣልሳኒ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ሰዲዶም።

Categories