ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓዲ-ጥልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን24 ግንቦት – ዕለተ ናጽነት ሃገሮም፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብሓበን ጸምቢሎምዋ።

ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ – ኦሬጎንን ፎኒክስ – ኣሪዞናን ዝቕመጡ ዜጋታት ዝወደብዎ በዓል፡ ብቐንዱ ኣብ ሃገራውን ሕብረተ-ሰባውን ክብርታት ዘለዎም ተገዳስነትን ናብ ደቆም ንምምሕልላፉ ንዝካየድ ጻዕሪን ዘጒልሐ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ፡ ኦሬንጅ ካውንቲን ሳንበርናንዲኖን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንጥምረቶምን ሃገራዊ ፍቕሮምን ብዘንጸባርቕ ኣገባብ፡ ነታ ዕለት ብሓበን ከምዘብዓልዋ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ሮማ፡ ካታንያ፡ ባሪ፡ ጀኖዋ፡ ቴራሞን ቶሪኖን እውን፡ ነታ ዕለት ብልዑል ሃገራዊ መንፈስን ድሙቕ ኣገባብን ኣብዒሎምዋ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ፡ ናጽነት ንምምጻእ ዝተሓልፈ መስገደልን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ወትሩ ተዘካሪ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሕድሪ ሰማእታት ብውፉይ ስራሕ ምትግባርን ምውሓስን ዜግነታዊ ግዴታ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ናይ ጀርመን ከተማታት ቢልፊልድ፡ ፓዶባ፡ በርሊን፡ ካስል፡ ቬትራው፡ ሙንሸንግላድባኽን ኡልምን ዝቕመጡ ዜጋታት ብወገኖም፡ ሃገራዊ መንነትን ፍቕርን ናብ ተካእቲ ወለዶታት ምትሕልላፍ ማእከል ዝገበረ መደባት ጽምብል ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ በብከተማኡ ዝተኻየደ ጽምብላት – እቶም ዜጋታት፡ እቲ ኣጋጣሚ ኪኖ’ቲ ዓቢ ሃገራዊ በዓል ምዃኑ፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ምውቃዕ እውን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ማእከላይ ኖርወይን ከባቢኡን ድማ፡ ዝተፈላለየ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ብምድላው፡ ነታ ዕለት ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብዒሎምዋ።

ኣብ ሲድኒ – ኣውስትራልያ ዝነብሩ ዜጋታት እውን፡ ብባህላዊ ጸወታን ንርዝነት’ታ ዕለት ብዝገልጽ ካልእ መሰናድኦታትን ከምዝጸምበልዋ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝተላእከ ጸብጻብ ገሊጹ።

Categories