መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ሊብያን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኸሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ኣመሓዳሪ ዱባይን መሓመድ ቢን ራሽድ ኣልመክቱም፡ ወራስ ዓራት ኣቡዛቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻልን መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ከምኡ’ውን ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ዳግማዊን ኣቦ-መንበር ላዕለዋይ ባይቶ ሊብያ ኻልድ ዓማር ኣልሙሽሪን ኣብ መልእኽትታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ፡ ኣብ’ቲ ብስሞም፡ ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ዝሰደድዎ መልእኽቲ ወሲኾም፡ ሕውነታዊ ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምምዕባልን ናብ ዝለዓለ ናይ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምስግጋሩን ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories