መራሕቲ ኣይቮሪኮስት፡ ኔዘርላንድስ፡ ግሪኽን ስሪላንካን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኣይቮሪኮስት – ኣላሳን ዋታራ፡ ንጉስ ኔዘርላንድስ – ሚልየም ኣለክሳንደር፡ ፕረዚደንት ግሪኽ – ፕሮኮፒዮስ ፓቭሎፖሎስ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ስሪላንካ – ማይስሪፓላ ሲሪሰና ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ ወሲኾም፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንምድንፋዕ ዘለዎም ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጾም።

Categories