ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ካሊፎርንያ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቱቢንገን – ጀርመንን፡ ንመበል 27 በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ንርዝነትን ክብሪን ናይ’ታ ዕለት ብዘንጸባረቕ መደባት ብድምቀት ጸምቢሎምዋ።

ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝኻየደ – ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ወከልቲ ባይቶ ዓለማዊ ምሕዝነት ህዝብታትን ባይቶ ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ እስማዒል ሙሳ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ናጽነትና፡ ውጽኢት ናይቲ ቊጠባዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ልምዓት በቲ ሓደ፡ ሓቀኛ ምስሊ ሃገርና ንምጒላሕን ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽን ዘካየድናዮ ናይ መኸተ ንጥፈታት ድማ በቲ ኻልእ – ኣብ ባይታ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ይበዓል ምህላዉ፡ ፍሉይነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ኣቶ ኣዶናይ ብሩኽ ብወገኑ፡ ማሕበረ-ኮም – ሓድነትን ጥምረትን ዜጋታት ብምድልዳል፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ካብኦም ዝሕተት ንምብርካት ይጽዕት ከምዘሎ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ገዳርፍን ፖርት-ሱዳንን በዓል ናጽነቶም ብልዑል ማዕርግ ከምዝጸምበሉ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ከተማ ጁባ ዘካየድዎ – ኣስታት 1500 ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ምዕሩግ ጽምብል ድማ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ኤርትራውያን ንሃገሮምን ናጽነቶምን ዘለዎም ፍቕሪን ክብሪን ዘነጸረ ነይሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ 24 ግንቦት – ነታ ብነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ቃልሲ ዝመጸት ናጽነት ኤርትራ፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋን ክንከናኸናን እተዘኻኽርን መብጽዓና ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት እነሐድሰላን ዕለት ምዃና ኣገንዚቡ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ካሊፎርንያ መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም ኣብ ዝጸምበሉሉ ከኣ፡ 24 ግንቦት – መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ወግዓዊ ተፈላጥነት ተዋሂቡዋ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ቤተ- መንግስቲ ሳክራሜንቶ፡ ሳንታ ክላራን ሳን-ሆዜን ተሰቒላ ከምዝወዓለት ተፈሊጡ።

 

Categories