ኣብ ከተማ ናቕፋ ዘሎ ሽግር ዝስተ ማይ ንምፍታሕ፡ ብምትሕብባር ምምሕዳር ንኡስ ዞባን መሻርኽቱን፡ ከምኡ’ውን ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ኣድማዒ ንጥፈታት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ምንጪ ማይ፡ ምህናጽ 150 ፊስቶ ዝሕዝ መኸዘኒ፡ ምዝርጋሕ ሰለስተ ኪሎ-ሜተር ሻምብቆታት፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ካብ ከተማ ናቕፋ ናብ ሩባ ወግሬት ዝኣቱ ጽርግያ ከም ዘጠቓልል፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ ሓቢሩ።

ነበርቲ ብሓፈሻ ወነንቲ መካይን ድማ ብፍላይ ንዘርእዩዎ ዘለዉ ውፉይ ስራሕ ዝመጐሰ ኣቶ ያቆብ፡ እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ዝዛዘም ክቕጽልዎ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2018 ዝጀመረ ፕሮጀክት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ደረጃ ምዝዛም በጺሑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ተሪፍዎም ዘሎ ንምዝዛም ኣበርቲዖም ክጽዕቱ ምዃኖም ገሊጾም።

Categories