ትማሊ 28 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ኣውቶቡስ፡ 33 ሰባት ሞይቶም።

በዚ ካብ ኣስመራ ኣብ ኣስታት 52 ኪሎ ሜተር – ከባቢ ሽንድዋ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም መራሒ መኪና ዝርከቦም 11 ሰባት፡ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ከም እተወስዱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሓደጋ ዘጋጠማ ኣውቶቡስ፡ ቊጽሪ ሰሌዳኣ ኮድ 3-A 4095 ዝኾነን ብግሊ እትውነንን ኮይና፡ ካብ ኣስመራ ንንግደት ደብረሲና ዝወርዱ 45 ተሳፈርቲ ጽዒና ከምዝነበረትን ኣስታት 80 ሜትሮ ንሸነኽ የማን ከም ዘንከራረወትን ተፈሊጡ ኣሎ።

ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ኣብ መርመራ ከምዘሎ ዝገለጸ ፖሊስ ትራፊክ ንኡስ ዞባ ዓዲተከሌዛን፡ ክቱር ናህሪ ኣብ ኩርባ ክኸውን ከምዝኽእል ግን፡ ኣፈናዊ ሓበሬታ ከምዘሎ ንኤሪና ሓቢሩ።

 

Categories