ተቐማጦ ከተማ ናቕፋ፡ ፕሮጀክት ማይ ናብ ዝሰላሰለሉ ዘሎ ሩባ ወግሬት ዝኣቱ 15 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ንማሽነሪታት ዘሕልፍ ንምግባሩ ይጽግንዎን የስፍሕዎን ከምዘለዉ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ዘካይድዎ ዘለዉ ወፈራ፡ ነቲ ፕሮጀክት ብምቅልጣፍ ዘለዎም ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ ንምቅላል ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ዘሎ ኣቶ መሓመድ-ሓምድ ሳልሕ፡ ነበርቲ ዝተመደበሎም ስራሕ በብጉጅለ ተወዲቦም ይዓምዎ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ናቕፋ ንዝገበረሎም ናይ ናውቲ ማእቶት ሓገዝ ኣመስጊኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳር ከባቢታት ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ምስራሕ ዛላታትን ምጽጋን ጽርግያታትን ዘተኰረ ወፈራታት ከምእተሰላሰለ ተፈሊጡ።

Categories