Author - Staff

ጸገም ማይ ሃበሮ-ጻዕዳ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይቕጽል

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ-ጻዕዳ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ፡ ማይ ንምውሓስ ብተበግሶ ህዝብን መንግስትን ከዛኒ ማይ ይስራሕ ከምዘሎን፡ ሓንቲ ዒላ እውን ትኰዓት ምህላዋን፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ሓምድ...

ኣስመራ – ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ምስ መንእሰያት ዘትዩ

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ብ24 መጋቢት ምስ መንእሰያት ሰልጠንቲ ዜግነታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ መደባት ልምዓትን ተራ መንእሰያትን ዘትዩ። ኣብ’ቲ፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ኣስመራ ዝመጹ ሰልጠንቲ ተመሃሮ ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ መሪር...

ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ተዘራሪቡ

ኣብ ጃፓን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ታሮ ኮኖ ተራኺቡ ዘትዩ። ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ...

ኣስመራ – ንኩነታት ኣረጋውያን ዝምልከት ዘተ ተኻዪዱ

ኣብ ኩነታትን ጥዕናን ኣረጋውያን ንዝካየድ ተጣባቕነትን ሓባራዊ ስራሕን ንምምእዛን፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝተወደበ ዘተ፡ ብ26 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ። ንሚኒስትሪ ጥዕና ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ኣብ...

ህንጻ ማእከል ጥዕና ባዳ ክቀላጠፍ ይሕተት

ዝዓበየ ክፋል ህንጻዊ ስርሓታ ዝተወደአ ማእከል ጥዕና ባዳ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ብዝቐልጠፈ ተዛዚማ ዝተማልአ ኣገልግሎት እትህበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ነበርቲ ሓቲቶም። ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፡ መስርሕ...

ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሰበ-ስልጣን ጃፓን ርክባት ኣካዪዱ

ብዕድመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ሚስተር ታሮ ኮኖ፡ ኣብ ጃፓን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ – ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ...

Login

Categories