ኣብ ኩነታትን ጥዕናን ኣረጋውያን ንዝካየድ ተጣባቕነትን ሓባራዊ ስራሕን ንምምእዛን፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝተወደበ ዘተ፡ ብ26 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ።

ንሚኒስትሪ ጥዕና ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ኣብ 2010 ብመሰረት ዝተኻየደ ኣብ ኣረጋውያንን ኩነታቶምን ዘተኰረ መጽናዕቲ፡ ካብ 65 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ኣረጋውያን ክፋል ሕብረተሰብ – 7 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ከምዘቚሙ ብምጥቃስ፡ ንዓኦም ዝወሃብ ፍሉይ ሕክምና፡ ንኩነታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ትሕተ-ቅርጺ፡ ከምኡ’ውን እዋናዊ መጽናዕትን ካልእን ስለዘየለ ግዳ፡ ብዛዕባ ኩነታቶም ኣብ ሃገርና ጽጹይ ሓበሬታ ምሃብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሶፊን ናምቦዘ ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ 46 ሚልዮን ኣረጋውያን ከምዘለዉ፡ ክሳብ 2025 ከኣ 67 ሚልዮን ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ዝእምት ሓበሬታ ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ቁጽሪ ኣረጋውያን ምስ ግዜ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ኣብ 2020 ንኩነታት ጥዕና ኣረጋውያን ኣብ ግምት ዘእተወ ፖሊሲ ክንደፍ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣረጋውያን፡ መነባብሮኦምን ማሕበራዊ ሂወቶምን ዝያዳ ኣተኵሮ ክህሉ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚባ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና – በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣደን ህጻንን ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ዶክተር ናንሲ ኪዱላ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኣረጋውያንንኣረጋውያን ንምሕብሓብ ዝግበር ደገፋትን ብደረጃ ዓለምን ዞባን፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣማኻሪ ህዝባዊ ጥዕና ኣቶ ተመስገን ኣርኣያ ድማ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣረጋውያን ኣብ ኤርትራ፡ ስድራቤታዊ ኣተኣላልያን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ኣኽብሮትን መግለጺ ኣቕሪቦም።

ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ኣብ ኣዳራሽ ኦሮታ ዝተኻየደ ዘተ፡ ንዝስዕባ ክልተ መዓልታት፡ ንኩነታት ኣረጋውያንን ኣተሓሕዛኦምን ዝምልከት ሓፈሻዊ መምርሒ ዝሓዘ ንድፊ ሰነድ ንምድላው፡ መሻርኽቲ ኣካላት ዝሳተፋኦ ርክብ ክቕጽል እዩ።

Categories