ዝዓበየ ክፋል ህንጻዊ ስርሓታ ዝተወደአ ማእከል ጥዕና ባዳ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ብዝቐልጠፈ ተዛዚማ ዝተማልአ ኣገልግሎት እትህበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ነበርቲ ሓቲቶም።

ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፡ መስርሕ ህንጸት’ታ ማእከል ጥዕና ብምድንጓዩ፡ ንዝለዓለ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ካልእ ከባቢታት ክኸዱ ይግደዱ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እታ ዘላ ትካል ጥዕና፡ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክትህብ የጸገማ ከምዘሎ እውን ወሲኾም የረድኡ።

ትካል ጥዕና ባዳ፡ ንዓድታት ሲሞቲ፡ ኣልሓ፡ ዓንዳላን ካልእ ከባቢታትን ዝተፈላለየ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ትህብን፡ ኮማዊ ከባቢያዊ ጽሬት ትውድብን።

Categories