ብዕድመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ሚስተር ታሮ ኮኖ፡ ኣብ ጃፓን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ – ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ዝምድናታት ዘተኰረ ርክባት የካይድ ኣሎ።

ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ኣቦ-መንበርን ኣባላትን ጉጅለ ጃፓን-ኣፍሪቃ ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምዕዛዝ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ጃፓንን ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ጃፓንን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻን ዝርርባት ኣካዪዱ።

ምስ ፕረዚደንት ባንክ ወፍራዊ ምትሕግጋዝ ጃፓን ሚስተር ታዳሺ ማይዳ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፡ ሚስተር ማይዳ፡ ኩባንያታት ጃፓን ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንኽገብራ፡ እቲ ባንክ የተባብዐንን ይድግፈንን ከምዘሎ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣፍረይቲ ትካላት ጃፓን እውን ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 29 መጋቢት ዝቕጽል ዑደቱ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕብባርን ኤርትራን ጃፓንን ዘተኰረ ተወሳኺ ርክባትን ዑደትን ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories