ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ህዝቢ ንምዕባይ ብዝካየድ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን፡ ተርእዮ ገበናትን በደላትን እናነከየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ – ተለንተ ሃብቶም መንግስትኣብ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ፖሊስ ኤርትራ ገበናትን በደላትን ብኣጋ ንምክልኻል፡ እንተደኣ ተፈጺሙ ድማ ምስ ህዝቢ ተሓባቢሩ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ንዕማማት ኮማዊ ፖሊስን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ብዝምልከት እውን መብርሂ ዝሃበ ተለንተ ሃብቶም፡ ኣብ ምክትታልን ምውሓስን ጸጥታ ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘጋጥም ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ብቐሊል ዘይጥመት ኣበርክቶ ከምዘለዎም ጠቒሱ፡ መደባቶም ንምዕዋት ሕብረተ-ሰብ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ፖሊሳዊ ኣስተምህሮታት ምስ ዕለታዊ መነባብሮኦምን ድሕነቶምን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ቀጻልነት ክህልዎ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኮማዊ ፖሊስ ክምደቡ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories