ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ – ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ ጻዕዳ ክካየድ ብዝጸንሐ ጐስጓሳት፡ ተሳታፍነትን ውጽኢትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ በብግዜኡ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ኣዝሃሪ – መምህር ያቆብ እድሪስ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2018/2019፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዘለዉ 665 ተመሃሮ እተን 310 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ነጥቢ ካብ ዘመዝገቡ ተመሃሮ፡ እተን 75 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ምዃነን ገሊጹ።

ኣብ ግቡእ ዕድመ ትምህርቲ ዘይምጅማር፡ ደረጃ ትምህርቲ እናወሰኻ ኣብ ዝኸዳሉ ብመርዓን ካልእን ምቊራጽ – ካብ’ቲ ንተሳትፎአን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ብኣሉታ ዝጸሉ ዘሎ ምዃኑ ዝገለጸ መምህር ያቆብ፡ ነዚ ንምፍዋስ፡ ኣብ ልክዕ ዕድመአን ንኽጅምራን ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽቕጽላን ተራ ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ ጻዕዳ፡ ማእከላይ ቦታ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኹለን ከባቢታት ኣብ ግምት ዘእተወት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝውሰኸሉ መንገዲ ከናድዩ ምዃኖም ድማ ሓቢሩ።

Categories