ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ፍርያት ኣሕምልትን ፍረታትን ካብ ብከላ ጸረ-ባልዕ ንምክልኻል ዝሕግዝ ኣስተምህሮ፡ ብ22 መጋቢት ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ፖሊስ፡ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን፡ ምምሕዳራትን ሓረስቶትን ዝተሳተፉሉ ኣስተምህሮ፡ ንጸረ-ባልዕ መድሃኒታትን ባህሪያቶምን፡ ከምኡ’ውን ንኣገባብ ኣጠቓቕማኦምን ሓደገኛነቶምን ዝምልከት መብርሂ ብሞያውያን ተዋሂቡ።

ጸረ-ባልዕ ይኹኑ ጸረ-ጻህያይ መድሃኒታት ከሚካላት ምዃኖም ዝጠቐሱ’ቶም ክኢላታት፡ ክሳብ ናብ ውሽጢ ፍረ ስለዝኣትዉ፡ ተጠቃምነቶም ግድነታዊ እንተኾይኑ ጥራይ፡ ብምኽሪ ሞያውያን፡ እንተወሓደ ቅድሚ ምቕንጣብ ፍረ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክንጸጉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሓረስቶት፡ ዘራእቶም ካብ ሕማማትን ባልዓትን ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸረ-ባልዕ ከምዝጥቀሙ፡ እንተኾነ – ገለኦም ብቕዓቶምን ምንጮምን ዘይፍለጡ ከምዝኾኑ፡ ኣብ ዕዳጋታት ዞባ ማእከል ኣብ ፍርያት ኣሕምልትን ፍረታትን ብሓፈሻ ኣብ ኮሚደረ ድማ ብፍላይ ዝርአ ዘሎ ብከላ እውን ካብ’ዚ ዝብገስ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ መጀመርታ 2012 ናብ ሃገር ዝኣተወ ‘ቱታ ኣብሰሉታ’ ዝበሃል ባልዕ፡ ኣብ ኮሚደረ ዓቢ ሃስያ ዘውርድ ዘሎ ሓደገኛ ስለዝኾነ፡ ካብ ግዜ ፈልሲ ዝጅምር ግቡእ ምክትታል ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቶም ክኢላታት፡ ሓረስቶት – ዘሰክፍን ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸን ፍርያት ኮሚደረ ኣብ ዝርእዩሉ እዋን ብቕልጡፍ ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩ ተላብዮም።

Categories