ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ጃፓን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እዚ ብመሰረት ዕድመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ሚስተር ታሮ ኮኖ ዝካየድ ዘሎ ምብጻሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ጃፓን ዝግበር ዘሎ ናይ ፈለማ ናይ ስራሕ ምብጻሕ እዩ።

ንክብሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ “ህንጸት ድንድል ኣብ መንጎ ኤርትራን ጃፓንን” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተገብረ እንግዶት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣባላት ፓርላማን ጃፓን፡ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሕውነታዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ንምዕዛዝ ዘለዋ ድሌትን ድልውነትን ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርአ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ሰላም ሞጒሶም።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፡ ኤርትራ ሽርክነታዊ ዝምድናኣ ምስ ጃፓን ከተማዕብል ንዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትካል ምምስራሕ ስጋ ዓሳ በጺሑን ብሞያውያን መብርሂ ተዋሂቡዎን።

ኣብ’ዚ ካብ 25 ክሳብ 29 መጋቢት ዝቕጽል ዑደቱ – ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕብባርን ዘተኰረ ርክባትን ዑደት ኣብ ኣፍረይቲ ትካላትን ከካይድ እዩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ 2008 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝገበሮ ፈላሚ ምብጻሕ፡ ኣብ 4ይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ (TICAD IV) ምስታፉ ይዝከር።

Categories