ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምምሕያሽ፡ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ክብ ንምባል ዝተኻየደ ጻዕሪ – ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝሃበ ኣብ ገምጋማዊ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ዮሴፍ ዑቕባስላሴ፡ ንተራ ወለድን መማህራንን ኣብ’ቲ ዝተመዝገበ ውጽኢት ድሕሪ ምምስጋን፡ ተመሃሮ ብቕዓቶም ክብ ንምባል ክጽዕሩን ተገዳስነቶም ከዕዝዙን ተላብዩ።

ኣቐዲሙ ንተመሃሮ 8ይን 11ን ክፍሊ ክወሃብ ዝጸንሐ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ን6ይ ክፍሊ እውን ይወሃብ ብምህላዉ፡ ውጽኢት ተመሃሮ ክብ ኣብ ምባል ድርኺት ፈጢሩ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን፡ ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ መማህራን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ናይ ለውጢ ሃዋርያ ብምዃኖም፡ ተሰኪሞምዎ ንዘለዉ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቦም፡ ኣብ ዕብየት ትምህርቲ ክሳብ’ቲ ዝከኣል ክጽዕሩ ተላብዩ።

Categories