ኣብ ጃፓን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ታሮ ኮኖ ተራኺቡ ዘትዩ።

ትማሊ 28 መጋቢት ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ – ሚኒስተር ታሮ ኮኖ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ-ሰላም ንኽሰፍን – ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝገበሮ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ሞጒሱ። ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ብምልዓሉ ዝተሰመዓ ሓጐስ ብምግላጽ ከኣ፡ መስርሕ ህንጸት ሰላም ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንምድንፋዕ ኣበርክቶ ክትገብር ዘለዋ ድሉውነት ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ፡ ስለ’ቲ ዝተገብረሎም ዕድመን እንግዶትን ብስም መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ድሕሪ ምምስጋን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ጃፓን ዘካየዱዎ ሃናጺ ዘተ፡ ኣብ ምብርባር ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነታዊ ምትሕብባርን ዝህልዎ ተራ ብቐሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መዳያት ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ጥዕና፡ ማይ፡ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝግበር ምትሕብባር ንምብራኽ ተረዳዲኦም።

ልኡኽ ኤርትራ ኣቐዲሙ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ጃፓን (JICA)፡ ከምኡ’ውን ማሕበር ቊጠባን ልምዓትን ኣፍሪቃ (AFRECO) ኣብ ምምዕባል ንግዳዊ ምትሕግጋዝን ምህናጽ ሰላምን ዘትዩ።

ምስ ፕረዚደንት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ጃፓን ሚስተር ሺኒቺ ኪታኦካ ዝተገብረ ርክብ ብቐንዱ – ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ቴክኒካዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ጽላት መባእታዊ ትምህርቲ ዝግበር ምትሕብባርን ዘተኰረ ነይሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣሺካጋ ብዛዕባ ባህላዊ ውርሻታት፡ ከምኡ’ውን ምስ ስቴት ሚኒስተር ኣከባቢ ብዛዕባ ዲፕሎማሲ ጸዓትን ካልእ ዛዕባታትን ተዘራሪቡ።

Categories