ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ብ24 መጋቢት ምስ መንእሰያት ሰልጠንቲ ዜግነታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ መደባት ልምዓትን ተራ መንእሰያትን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ኣስመራ ዝመጹ ሰልጠንቲ ተመሃሮ ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ መሪር ቃልሲ፡ ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእቲ፡ ዝሰገሮ ተጻብኦታትን ዝተጐናጸፎ ዓወትን ዝምልከት መግለጽን ሰነዳዊ ፊልምን ቀሪቡ።

ኣቶ ሳልሕ፡ መንእሰያት ተኸፊቱሎም ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲ ተጠቒሞም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ጻዕሪታቶም ከሐይሉን፡ በብእዋኑ ንዝውደብ ሰሚናራት ብኣድህቦ ክከታተሉዎን ኣዘኻኺሩ።

Categories