ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ-ጻዕዳ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ማይ ንምውሓስ ብተበግሶ ህዝብን መንግስትን ከዛኒ ማይ ይስራሕ ከምዘሎን፡ ሓንቲ ዒላ እውን ትኰዓት ምህላዋን፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ሓምድ ዑመር ገሊጹ።

ኣቶ መሓመድ፡ ምድንጓይ ርእሰ-ውጥንን ጸገም መጐዓዝያን ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ብምምልካት፡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክርከበሎም ተላብዩ።

ንዓድታት ኣስቃቅ፡ እምባህራ፡ ልዊት፡ ኣትሓራውያታትን ጨወኒን ዝጥርንፍ ምምሕዳር ከባቢ ሃበሮ-ጻዕዳ፡ ካብ ከተማ ከረን ኣስታት 68 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜን ርሒቑ ይርከብ።

Categories