Author - Staff

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ፡ 201 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከብኦም 520 ዘድሊ ቅጥዒታት ዘማልኡ ዜጋታት፡ ብ1 ሕዳር መሬት ጤሳ ተዓዲሉ። እቲ መስርሕ ዕደላ፡ ኣብ ዓድታት ላጔን፡ ዓደ-ርዓዳ፡ ዓደ-ምዘማትን እምበይቶን ንካልኣይ ግዜ፡ ኣብ ዓዲባዃዃይ...

ሽዕብ – ብውሕጅ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ይጽገን ኣሎ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣከታቲሉ ብዝሃረመ ዝናብ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ንምጽጋን፡ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። በቲ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝወቕዐ ዝናብ፡ ብፍላይ ብሩባ ማይ-ኡለ ዝወረደ ብርቱዕ ውሕጅ፡ ኣብ’ዚ...

ዓዲ-ቐይሕ – ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ተዘትዩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ተራ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘተ ተኻዪዱ። ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሕሸምለ፡ ሓይነባ፡ ዑናቡር፡ ሃዳሙ፡ ኢግላ፡ ሳፊራ፡ መሰጎሎ-ዙላ፡ ሲቢራሶን...

ዓዲ-ተከለዛን – ማይ ክዖታት ብምፍዋሱ ኣብ ኣከባቢ ለውጢ ኣምጺኡ

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲተከለዛን፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ፡ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ምጽራግ ጽርግያታት፡ ምግራብ፡ ምጽራግ ብድበት ዝመልኣ ዲጋታትን ምዅዓት ዒላታትን ዘጠቓለለ ኮም ዝመርሖ ወፈራታት፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባብን መነባብሮ ነበርቲን...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ህዝባዊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣካዪዶም

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኩወይት፡ ብምኽንያት ‘መዓልቲ ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ክሳተፍ እንከሎ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያ ድማ፡ ኣቲናዮ ምስ ዘሎና ሓድሽ ምዕራፍ ዝጠዓዓም ውጥን ስራሕ ኣውጺኡ። ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ኩወይት ኣብ ዝተኻየደን፡ ማሕበረ-ኮማትን...

መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ይሰርሕ

ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ – ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ ንጥፈታት የሰላሰል ከምዘሎ፡ መዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶክተር ያቆብ ሓሰን ሓቢሩ። እዚ ኣብ 13.6 ሄክታር ተደኲኑ ዝርከብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል፡ በብእዋኑ...

ኣዶብሓ – ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ተሞጒሱ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ኣተባባዒ ምህላዉ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ኣቡበከር ዓሊ ሓቢሩ። ኣብ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መባእታ...

ደቡብ – መነባብሮ ሓ.ስ.ኲ. ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕሪ ተሞጒሱ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ መነባብሮ ስንኩላን ኲናት ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ፡ ኣባላት ማሕበርን መሻርኽትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ፡ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ...

ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ፡ ኣብ ባረንቱ ሰሚናር ኣካዪዱ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ራኢኡ፡ ተልእኾኡን ዕላማታቱን ንምጭባጥ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት ዘንጸባርቕ – ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ባረንቱ ሰሚናር ኣቃኒዑ። ኣቦ-መንበር ማሕበር መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ብመንገዲ ኣብ...

Login

Categories