ኣብ ዞባ ደቡብ፡ መነባብሮ ስንኩላን ኲናት ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ፡ ኣባላት ማሕበርን መሻርኽትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ፡ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ.) – መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ዘሰላሰሎ ዕማም ንምብራህ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ማሕበር ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተስፋልደት መንግስቱ፡ ኣባላት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተጣዪሶም ነብሶም ንክኽእሉ ብዝተገብረ ደገፍ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከቡ ሓቢሩ

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ማሕበር ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ንምፍታሕ ብልዕሊ 8 ሚሊዮን ናቕፋ 290 ሞተር ብሽክለታን 5 ሚኒባሳትን ብምግዛእ፡ ከምኡ’ውን ካብ ጨናፍሩ ኣብ ወጻኢ ዝተበርከተ 3200 ዓረብያን 5 ሽሕ መራዂስን ከምዝዓደለ፡ ናይ ምርኣይን ምስማዕን ጸገም ንምፍታሕ እውን መነጽርን መስምዒን ከምእተመቓርሐ ኣብሪሁ።

ትካላውን ቊጠባውን ዓቕሚ ማሕበር ምሕያል፡ ምስ ቀንዲ መሻርኽቲ ጥቡቕ ዝምድና ምምዕባል፡ ኣገልግሎት ልቓሕ ምስፋሕ፡ ካብ’ቶም ማሕበር ብመደብ ሒዙ ዝሰርሓሎም ዘሎ ምዃኑ ዝሓበረ መምህር ገብረብርሃን፡ ተራ ኮምን ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ ጸዊዑ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ርክብ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ ስንኩላን ኲናት ነብሶም ንክኽእሉ ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሞጒሱ።

Categories