ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ኣተባባዒ ምህላዉ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ኣቡበከር ዓሊ ሓቢሩ።

ኣብ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መባእታ 50 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ድማ 48 ሚእታዊት ከምዘሎ ዝገለጸ መምህር ኣቡበከር፡ ኣብ ዓሬርብ ምስ ሰበኽ ሳግማዊ መነባብሮ፡ ወቕቲ ትምህርቲ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝካየድ ኣረዲኡ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሃገር መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምጅማር ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ውጽኢት መርመራ 8ይ ክፍሊ 80 ሚእታዊት ምንባሩ እውን ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ፡ 2 መዋእለህጻናት፡ 5 ናይ መባእታን ሓንቲ ናይ ማእከላይን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን 10 ነቑጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምዘለዋ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታትን ጸገም መጐዓዝያን ድማ፡ እቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ገሊጹ።

Categories