ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ራኢኡ፡ ተልእኾኡን ዕላማታቱን ንምጭባጥ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት ዘንጸባርቕ – ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ባረንቱ ሰሚናር ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ብመንገዲ ኣብ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ዝርከብ መሓውሩ፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ጨናፍሩ ኣብ ወጻኢ ዘተግበሮም፡ ብቐንዱ ኣብ ውዳበን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ዘተኰሩ ንጥፈታትን ውጽኢቶምን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ምምዕባል ሞያውን ኣካዳሚያውን ዓቕሚ ኣባላት፡ ምሕደራ ተኣለይቲ፡ ምሕያል ቊጠባዊ ዓቕሚ፡ ዳግመ ምውህሃድ ስንኩላን፡ ምሕያል መደባት ንኡስ ልቓሕን ውህለላን፡ ኣብ ንጥፈታት ጨናፍር ወጻኢ ካልእን ብምትኳር ድማ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

መምህር ገብረብርሃን፡ ዝተዓመ መደባት ብደገፍን ምትሕግጋዝን መንግስትን መሓውራቱን፡ ከምኡ’ውን ሃገራውያን ማሕበራትን ሕብረተሰብን ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ክቕጽል ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣባላት ማሕበር ዘለዎም ስንክልና ከይዓገቶም ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ድሕሪ ምምጓስ፡ ኣብ መጻኢ – ተራን ሓገዝን ህዝቢ ንምሕያል ኩሉ ዝምልከቶ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

Categories