ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ተራ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘተ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሕሸምለ፡ ሓይነባ፡ ዑናቡር፡ ሃዳሙ፡ ኢግላ፡ ሳፊራ፡ መሰጎሎ-ዙላ፡ ሲቢራሶን ኣውህነን፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ሰላም ከም’ቲ ፈጢርዎ ዘሎ ዕድላት ብድሆታት እውን ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ንቑሕ ተሳትፎን ተራን ኮምን ውሁድ ስራሕ ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቶ ሃብታይ፡ ወለዲ ኩነታት ተመሃሮ ደቆም ብቐረባ ክከታተሉ፡ ሕማቕ ሳዕቤናት ዘለዎም ዘይቅቡላት ባህርያት ንምቅላስ ክሰርሑ፡ ከምኡ’ውን ጥቅው መረዳእታ ንምፍጣር ዘይሕለል ጻዕሪ ከካይዱ ተላብዩ።

ምስ ነበርቲ 21 ምምሕዳራት ከባቢ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ተመሳሳሊ ርክባት ከም እተኻየደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories