ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲተከለዛን፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ፡ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ምጽራግ ጽርግያታት፡ ምግራብ፡ ምጽራግ ብድበት ዝመልኣ ዲጋታትን ምዅዓት ዒላታትን ዘጠቓለለ ኮም ዝመርሖ ወፈራታት፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባብን መነባብሮ ነበርቲን ዝምስገን ውጽኢት ከምእተረኽቦ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ እቲ ልዕሊ 90 ሽሕ ጉልበት ዝተሳተፎ ንጥፈታት፡ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ነበርቲ ይኹን ኣብ መጻኢ ዝትልሙዎ ሓባራዊ ወፈራታት፡ ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ተስፋልደት ገብረብርሃን፡ ካብ’ቲ ዝሕረስ 4100 ሄክታር፡ 50 ሚእታዊት መሸላ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ስገም፡ ስርናይ፡ ዕፉን፡ ዳጉሻ፡ እንጣጢዕን ዓይኒ-ዓተርን ተዘሪኡ ከምዘሎን፡ ደሓን ዝኾነ እቶት ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበርን ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ 8 ዲጋታትን 5 ራህያታትን፡ ንነበርትን ልዕሊ 39 ሽሕ ጥሪትን ዝምስገን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ ብወሓይዝን ዒላታትን ዝሰቲ 170 ሄክታር ብፍረታትን ኣሕምልትን ድማ፡ ጠለብ ናይቲ ከባቢ ኣብ ምምላእ ዘይነዓቕ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ዓዲተከለዛን ብወፈራታት ካብ ዝተተኽለ ኣስታት 267 ሽሕ ፈልስታት፡ እቲ 75 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories