ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኩወይት፡ ብምኽንያት ‘መዓልቲ ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ክሳተፍ እንከሎ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያ ድማ፡ ኣቲናዮ ምስ ዘሎና ሓድሽ ምዕራፍ ዝጠዓዓም ውጥን ስራሕ ኣውጺኡ።

ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ኩወይት ኣብ ዝተኻየደን፡ ማሕበረ-ኮማትን ኤምባሲታትን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎን ምርኢት ‘መዓልቲ ኣፍሪቃ’፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ምስ ጸጋታት ቱሪዝም፡ ባሕርን ሃብቲ ዓሳን፡ ባህላዊ መግብታት፡ ከምኡ’ውን ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣቕሪቡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡ ብ27ን 28ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ዓመታዊ ገምጋም ስርሑ ኣካዪዱ።

ካብ 13 ከተማታት ኢጣልያ ዝመጻ ወከልቲ ውዳበታት’ቲ ጨንፈር፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰፊሕ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ’ዚ እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ ናይ ሰላም ሃዋህው ብኣድማዕነት ከስርሕ ዝኽእል ውጥን ሓንጺጸን።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ ኢጣልያን ኤውሮጳን ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይ፡ ኣብ ከረን ንዝህነጽ ዘሎ ፕሮጀክት ማእከል ሞያዊ መሰልጠኒ ደቂ-ኣንስትዮን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት መብርሂ ሂባ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ፡ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ ብወገኑ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ምዕባለታት ሰላምን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣባላት ሃማደኤ ንጥፈታተን ምስ’ዚ ምዕባለታት ብዝበለጸ ክቓንያ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ሰበ-ስልጣን ከተማ ቦሎኛ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከምዘቕረቡ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories