ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ – ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ ንጥፈታት የሰላሰል ከምዘሎ፡ መዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ሆስፒታል ዶክተር ያቆብ ሓሰን ሓቢሩ።

እዚ ኣብ 13.6 ሄክታር ተደኲኑ ዝርከብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል፡ በብእዋኑ ክግበረሉ ብዝጸንሐ ወፍሪ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኩሎም ኣገደስቲ ክፍልታት ኣጣሚሩ ብቕዓቱ ዝሓለወ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ያቆብ፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይ 2018፡ ኣስታት 20 ሽሕ ዜጋታት ተመላሊሶም፡ 2,500 ድማ ደቂሶም ከምእተሓከሙ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዘለዎ 210 መብጣሕቲ ከምእተኻየደ፡ 653 ኣዴታት ኣገልገሎት ሕርሲ ከምዝረኸባ፡ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ ካብ ዝቐረቡ 5,200 እቶም 541 መብጣሕቲ ከም እተገብረሎም፡ 1075 ድማ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ከምዝረኸቡ ኣብሪሁ።

ብፍላይ ክፍልታት መወለዳንን ክንክን ዕሸላትን ህጻናትን ዘመናዊ መሳርሒታት ዓጢቐን ብምህላወን፡ ዝሓሸን ዝጸፈፈን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝሓበረ ዶ/ር ያቆብ፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዝቘመ ማእከል ርእየት (vision Center)፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ መርሚሩ ብናጻ መነጽር ክህብ ስለዝጀመረ፡ ህዝቢ ካብ ሃልኪ ገንዘብ፡ ጉልበትን ግዜን ድሒኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብቕዓት ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ክብ ንምባል፡ በብእዋኑ ብቑዓትን እኹላትን ሞያውያን ንምምዳብ ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ 9 ዶክተራት ዘጠቓልሉ 135 ሞያውያንን 70 ናይ ምሕደራ ሰራሕተኛታትን ከምዘለውዎ ኣነጺሩ።

Categories