Author - Staff

ኣብ ኣቑርደት፡ 200 ኩንታል ዝተበከለ ኮሚደረ ተጓሒፉ

ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ምስ ክኢላታት ምቁጽጻር ብቕዓትን ድሕነትን ብቚሊ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሕርሻታት ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሃይኮታ፡ ድገ፡ ኣቑርደትን ካልእ ከባቢታትን ዝፈረየ – እንተዀነ ብሰንኪ ግጉይ...

ኣፍዓበት – ነበርቲ ገብገብ ማይ-ክዖታት ይፍውሱ

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ገብገብ – ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ማይ-ክዖታት ናይ’ቲ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ሓጽቢ ንምፍዋስ፡ ከትርታት ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ’ቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ስራሕ፡ መዓልታዊ ኣስታት 200 ጉልበት ሰብ ይወፍር ከምዘሎ ዝሓበረ...

ማእከል – ንመራሕቲ መካይን ፖሊስ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ18 መጋቢት ንመራሕቲ መካይን ፖሊስ – ኣብ ድሕነት ጽርግያ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ሓላፊ ንኡስ ጨንፈር ፖሊስ ትራፊክ ሌተና ኮሎኔል መሓሪ ንጉሰ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ሕግታትን ምልክታትን ትራፊክ፡ ከምኡ’ውን ተራ ፖሊስ...

ሓጋዝ – ኣብ ትምህርቲ ተራ ወለዲ ክዓዝዝ ተሓቲቱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ተራን ተሳትፎን ወለዲ ክዓዝዝ መማህራን ኣዘኻኺሮም። ብ13 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ተራ ስሉሳዊ ዝምድና፡ ተራ ወለዲ ኣብ ምምእዛንን ምትብባዕን ደቆም፡ ጠንቂታት ምቁራጽን ብኲራትን ተመሃሮ፡...

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ይወሃብ ኣሎ

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ – ማትሪክ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020፡ ኣብ መላእ ሃገር ይወሃብ ኣሎ። ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲቱት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዳይረክተር ምዘናን ግምገማን ዶክተር ብስራት ገብሩ፡ ኣብ’ዚ 13 ዓውድታት ትምህርቲ...

Login

Categories