ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ18 መጋቢት ንመራሕቲ መካይን ፖሊስ – ኣብ ድሕነት ጽርግያ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ሓላፊ ንኡስ ጨንፈር ፖሊስ ትራፊክ ሌተና ኮሎኔል መሓሪ ንጉሰ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ሕግታትን ምልክታትን ትራፊክ፡ ከምኡ’ውን ተራ ፖሊስ ኣብ ትግባረ ሕጊ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ሌተና ኮሎኔል መሓሪ ብኣሃዛት ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ መረዳእታ፡ ኣብ ሃገርና ካብ 2013 ክሳብ 2019 ዘጋጠሙ ሓደጋታት – 31,590 ምንባሮም፣ ከም ሳዕቤኖም ድማ፡ 983 ሰባት ከምዝሞቱን 3,968 ከቢድ 8,875 ድማ፡ ቀሊል ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶም፣ ኣብ ንብረት ዝሰዓበ ክሳራ ድማ ልዕሊ 456 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝግመት ገሊጹ።

ቀንዲ ጠንቂታት ሓደጋታት ትራፊክ፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕ፣ ቀዳምነት ዘይምሃብ፣ ርሕቀትካ ዘይምሕላው፣ መምርሒ ፍቓድ ዘይብልካ መኪና ምዝዋር፣ መኪና እናመራሕካ ቴለፎን ምጥቃም፣ ልዕሊ ዓቐን ምጽዓንን ዘይጥጡሕ መስመራት መጓዓዝያን ዘጠቓልሉ ምንባሮም፡ ሌተና ኮሎኔል መሓሪ ንጉሰ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕነት ትራፊክ ኣገዳሲ ኣካል መደባት ልምዓት ሃገር ስለዝኾነ፡ ምስ ምዕባለን ምውሳኽ ቁጽሪ ተሽከርከርትን ሓደጋታት ክውስኽ ስለዝኽእል፡ ሕግታት ትራፊክ ኣኽቢሮም ክጓዓዙን ንካልኦት ከስተምህሩን ተላብዩ።

Categories