ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ገብገብ – ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ማይ-ክዖታት ናይ’ቲ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ሓጽቢ ንምፍዋስ፡ ከትርታት ይሰርሑ ኣለዉ።

ኣብ’ቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ስራሕ፡ መዓልታዊ ኣስታት 200 ጉልበት ሰብ ይወፍር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ – ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ሳለም፡ እቲ ሓጽቢ እኹል ማይ ምስ ሓዘ፡ ‘ሽግሮም ክፍታሕ እዩ’ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕርሻ መስኖ ንምንጥጣፍ እውን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቶም ነበርቲ፡ ጌና ነዊሕ እናተጓዕዙ ካብ ሃበሮ ወይ ካብ ኣፍዓበት ይሰትዩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ካብ ኣፍዓበት ንሸነኽ ምዕራብ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ገብገብ፡ ኣስታት 4 ሽሕ ነበርቲ ኣለዉዋ።

Categories