ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ተራን ተሳትፎን ወለዲ ክዓዝዝ መማህራን ኣዘኻኺሮም።

ብ13 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ተራ ስሉሳዊ ዝምድና፡ ተራ ወለዲ ኣብ ምምእዛንን ምትብባዕን ደቆም፡ ጠንቂታት ምቁራጽን ብኲራትን ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ምትራፍ ኣብ ክፍልን ሳዕቤናቱን ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ።

ርእሳነ-መማህራን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ተራ ወለዲ ኣብ ምክትታል ደቆም ኣዕጋቢ ከምዘየሎ ብምምልካት፡ ምሕያል ስሉሳዊ ዝምድናታት ብዝለዓለ ክስራሓሉ ተላብዮም።

ራሕቂ ከባቢታት፡ ብኲራት፡ ምድንጓይን ዘይምክትታል ወለዲን፡ ካብቶም ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ብድሆታት ምዃኖም እውን ሓቢሮም።

Categories