ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ – ማትሪክ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020፡ ኣብ መላእ ሃገር ይወሃብ ኣሎ።

ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲቱት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዳይረክተር ምዘናን ግምገማን ዶክተር ብስራት ገብሩ፡ ኣብ’ዚ 13 ዓውድታት ትምህርቲ ዘጠቓልልን ክሳብ 23 መጋቢት ዝቕጽልን ሃገራዊ ፈተና፡ ኣብ 8 ነቑጣታት 7,149 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 14,960 ተመሃሮ ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢራ።

ኣብ ሪያድን ጅዳን – ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን ዝወሃብ ዝነበረ ፈተና፡ ሎሚ ዓመት ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከምዘይካየድ ዝገለጸት ዶክተር ብስራት፡ ተመሃሮ ረጊኦምን ኣብ ነብሶም ተኣማሚኖምን ክሰርሑ መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ንተመሃሮ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ዝለዓለ ዘሳግር ኣገዳሲ ነጥበመቐይሮ ስለዝኾነ፡ ተሳተፍቲ ተጠንቂቖም ክሰርሑ፡ ኣብ ቦታ ፈተና ብእዋኑ ክርከቡን ዝተወሃቦም ሓበሬታ ብግቡእ ክከታተሉን ከተግብሩን ተላብያ።

Categories